ብዛዕባ ምድረ ገነት

ማዕድን ሸርክ ካምፓኒ

መን ኢና

ምድረ ገነት ማይኒንግ ሸርክ ካምፓኒ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፍነት ዝመልኦ ማዕድን ልምዓት ንምክያድ ኢያ ዝተመስረተት።

🎯

ዕላማ

ኣብ ውሽጢ መሬት ዘሎ መዓድንን ካልእ ተፈጥራዊ ሃፍትን ትግራይ ብምጥቃምን ክብሪ ብምውሳኸን ኣብ መሬት ዘላቕነት ዘለዎምን ንወለዶ ዝተርፉን ዓውደ ኢንቨስትመንታት ብምስራሕ ምህርትን ግልጋሎትን ኩባንያና ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳራይ ምግባር፣ስራሕ ዕድል ምፍጣር ፣ ዘላቂ ዕብየት ዓድን ሕ/ሰብን ምርግጋፅ።

  • ውሽጣዊ ዓቕምታት ኩሉ ክፋል ሕ/ሰብና ብምጥርናፍን ብምውዳብን ኣብ ተፈጥራዊ ሃፍቲ ዓድና ተጠቃምነትናን ልምዓትናን ምርግጋፅ።
  • ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ሓቋፋይ ኩባንያ ንምሀናፅ ኣብ ወረዳታት ታይ ሕ/ሰብናን ማሕበራትን ብዓቕመን ኣክሱዮን ክገዝኣ ብምግባር ኩሉ መዳይ ተጠቃምነት ከረጋግፃ ምግባር።
👁️

ራእይ

ብፈጠራ፣ድሕንነት ስነ ከባብን ተጠቃምነት ህዝብን ብደረጃ ሃገር ዝተፈለጠ ናይ መዓድን ኩባንያ ተጣይሹ ምርኣይ ።

📋 ልኡኸ

ማሕበር ኣክስዮን ምድረ ገነት መበገሲኡ መኣድን ገይሩ ኣብ ዝተፀንዐን- መዋፃኣይን- ዝኾነ- ዓውደ ስራሕ (Investment) ብምውፋር ናይ ምህርቲ ሰንሰለት (Value chain activities) ብዝሓለወ መልክዑ ኣብ መምረታይ ኢንድስትሪ፣ግልጋሎትን ንግድን ክነጥፍ ብምግባር ካፒታላዊ ዓቕሚ ኬባንያ ምዕባይ፣ ምምላእ ክፍተት ዕዳጋን ምርግጋፅ ዘላቂ ዕብየትን።

ስለምንታይ ንሕና

✔
ዘላቂ ልምዓት
ተጠቃምነት ዘለዎ መዓድን ምህርቲ፣ ምሕላው ከባቢ፣ ከምኡ'ውን ንነዊሕ ዝጸንሕ ቁጠባዊ ዕብየት ምርግጋፅ።
✔
ምትሕብባር ሕብረተሰብ
ንከባብያዊ ሕብረተሰብ ዕድላት ምፍጣርን ኣብ ኢንቨስትመንት ሓቋፋዊ ተሳታፍነት ምርግጋፅን።
✔
ቅንዕናን ግልፅነትን
ብተኣማንነት፣ ግልፅነትን ልዑል ስነ-ምግባራዊ ደረጃታትን ምስራሕ።